ርእሰ–ዓንቀጽ

ስርዓት ብልጽግና፡ ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ!

ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ግጉይ ጉዕዞ ህንጸት ሃገርን ዘይቅርዑይ ምሕደራን ጸቢብ ጉጅለኣዊ መዋቕርን ተኸታተልቲ ስርዓታት፡ ኣብ ዓለም ካብ’ተን ቀንዲ ተመጽወትቲ ሃገራት ኰይና ጸኒሓ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ብመልክዕ ረድኤትን ልምዓታዊ ደገፍን ብዝረኸበቶ ገዚፍ ደገፍ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። የግዳስ፡ ብኣንጻር’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕቑዳት ዝረኸበቶ ልዕሊ 110 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ፡ ካብ ድኽነት ክትላቐቕ ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣርዑት ግዳማዊ ዕዳኣ እናኸበደ’ዩ መጺኡ።

እዚ ቅልውላው’ዚ ኣብ ዘመነ ስርዓት ‘ብልጽግና’ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ ይርከብ። ሰፊሕ ከባቢታት ናይ’ታ ሃገር ብውሽጣዊ ግጭታት ተሓሚሱ፡ ህዝቢ ግዳይ ስእነት ሰላምን ምምዝባልን ኰይኑ’ሎ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ እቲ ስርዓት ኣቓልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ ብዘርእዮ ኣስፋሕፋሕን ገባትን ባህሪያት፡ ኢትዮጵያ ጠንቂ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ኰይና ትርከብ።

ስርዓት ብልጽግና ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ብዘይካ’ቲ ግዙፍ ልምዓታዊ ሓገዝ፡ ብስም ተመዛበልቲ፡ ጥሜት፡ ደርቂ፡ ጥዕናዊ ቅልውላው፡ ክሊማዊ ነውጽን ካልእን ንዝውሕዝ ግዳማዊ ሓገዝ ከይተረፈ ካብ ኣፍ ህዝቢ ጨውዩ፡ ንዓንዳሪ ዘቤታውን ዞባውን ፖሊሲታቱ ክግልገለሉ ምርኣይ ንስግንጢርነቱ ዘጉልሕ’ዩ። ኢትዮጵያ – ኣብ ትሕቲ’ዚ ስርዓት ኣብ ከመይ ዝበለ ዘሐዝን ኩነታት ወዲቓ ከምዘላ ዘነጽር ወግዓዊ ሰነዳት ምርኣይ ድማ ሓጋዚ’ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ዝረኸበቶ ጠቕላላ ግዳማዊ ገንዘባዊ ሓገዝ 30 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ። እዚ ነቲ ካብ 1990 ክሳብ 2024 ዝረኸበቶ ወግዓዊ ልምዓታዊ ሓገዝ፡ ናብ ኣስታት 90 ቢልዮን ዶላር ኣደዪብዎ። ብኣንጻር’ዚ፡ ህልው ግዳማዊ ዕዳኣ 35 ቢልዮን ዶላር በጺሑ’ሎ። ካብ’ቲ ኣስታት 130 ሚልዮን ዝኸውን ህዝባ’ውን፡ እቲ ልዕሊ 90 ሚልዮን – 68 ሚእታዊት ምዃኑ’ዩ – ኣብ ምሒር ድኽነት ከምዝነብር፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2026 ዝወጸ ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት የነጽር።

ህልው ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ኢትዮጵያን ህዝባን እዚ ክንሱ፡ ስርዓት ብልጽግና ውሽጣዊ ህዝባዊ እምቢታ ንምጭፍላቕን ግዝኣት ጎረባብቲ ሃገራት ንምውራርን ኣብ ሸመተ ኣጽዋር’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ 356 ጽዕነት ዓበይቲ ነፈርቲ ኣጽዋር፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጓሪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ፡ 81 ተወሳኺ ጽዕነት ዓበይቲ ነፈርቲ ኣጽዋር ካብ ኢማራት ተረኪቡ።

ብነፍሰ-ምትላል ዝነብር ስርዓት ‘ብልጽግና’፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ዝወስዳ ዘሎ ኩነታት ንምሽፋንን ንናይ ርሑቕ ጠማቲ ንምትዕሽሻውን፡ ተዓድዩን ተመርቂሑን ብስም “ልምዓት ኮሪደር” ዝገብሮ ንጥፈታት ድማ፡ ከም’ቲ ውልዕ-ውልዕ ዝብል ጫማ ዝረግጽ’ሞ፡ ዕንክይክይ እናበለ – ብተምሳጥ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ እግሩ እናጠመተ ግዳይ መውደቕቲ ዝኸውን እግሪ-ተኽሊ ዝምሰል’ዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ ፈጢርዎ ዘሎ ዘየዕርፍ ዘቤታዊ ዕጥቃዊ ግጭትን ቅልውላዋትን፣ ከምኡ’ውን ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት – ሱዳን፡ ሶማልያን ኤርትራን ዘርእዮ ዘሎ ዘይምኽኑይ ተተናዃዪ ባህሪያት፡ ኣላሽ ከምዝብል ዘጠራጥር ኣይኰነን።